Back to top

LVP Tigrinya

መጠቕለሊ

ፕላስቲካውን ሓጺናውን ትሕዝቶ ዘለዎም መጠቕለሊታት ሓደስቲ ኣቝሑ ንምፍራይ የገልግሉ እዮም። እዚ ድማ ኣብ መስርሕ መፍረ ናይ’ዞም ኣቝሑ እዚኦም ንዝሃልኽ መጠን ጥረ-ነገርን ጕልበትን ንምዕቓብ ክሕግዝ ይኽእል።

ፕላስቲካውን ሓጺናውን ትሕዝቶ ዘለዎም መጠቕለሊታት፡ ከምኡ’ውን ናይ ጽማቝን ጸባን መዐሸጊታት (ካርቶናት)፡ ብጫ ኣብ ዝሕብሮም ከረጺታት ወይ በራሚል ክእከቡ ይግባእ።

ወረቓቕቲ፡ ረጐድቲ ወረቓቕቲ፡ ከምኡ’ውን ጠራሙስ ኣብ’ዞም ብጫ ዝሕብሮም ከረጺታት ወይ በራሚል ክእከቡ ኣይግባእን።